Das Projekt IdEE wird im Rahmen der ESF-Integrationsrichtlinie Bund im Handlungsschwerpunkt Integration von Asylbewerber/-innne und Flüchtlingen (IvAF) durch das Bundesministerium für Arbeit und Soziales und den Europäischen Sozialfonds gefördert.

Menü

IdEE – ምውህሃድ ኣብ ማእቶታዊ ህይወት ብምጽንባር

ሓደ ኣብ ምሉእ ፈደራልዊ ዞባ ካብ ዝርከቡ 41 ናይ IvAF- ናይ ርክብ መርበብ እዩ።
ዕላማ ናይ'ዚ ፕሮጀክት'ዚ ሓተትቲ ዑቕባን፡ ናይ ምጽማም መቐመጢ ዝሓዙን (Geduldete) ስደተኛታትን ኣብ ምድላይ ሞያዊ ስልጠናን ስራሕን ወይ'ውን ኣብ ምድላይ ስሩዕ ትምህርቲ ንምድጋፍ እዩ። እዚ ናይ ርክብ መርበብ'ዚ ካብ 01.07.2015 ጀሚሩ ኣብ ህላው ይርከብ። ብ Landkreis Hersfeld-Rotenburg ኣቢሉ ኸኣ ይመሳራዕ።

IdEE

ፕሮጀክት "ምውህሃድ ኣብ ማእቶታዊ ህይወት ብምጽንባር ፡" ኣብ ሓጹር ኪዳን ናይ ESF መምርሒ ውህደት (ESF-Integrationsrichtlinie Bund) ኣብ ቀንዲ ነጥቢ ዕዮ "ምውህሃድ ናይ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን" (IvAF) ብፈደራላዊ ሚኒስትሪ ስራሕን ማሕበረሰባዊ ጉዳይን፡ ብናይ ኤውሮጳ ማሕበረሰባዊ ናይ ሓገዝ ቅሩብ ገንዘብን (Sozialfonds) ይናበይ።

 

ኣየኖት ቀረባት ኣለዉና?

  • ንሓተትቲ ዑቕባ፡ ደለይቲ ዑቕባ ናይ ምጽማም መቐመጢ ዝሓዙን፡ (Geduldete) ስደተኛታትን ምስ ስራሕን፡ ሞያዊ ስልጠናን፡ ስሩዕ ትምህርትን፡ ምርኻብ።
     
  • ንተኻፈልቲ ፕሮጀክት ብዛዕባ ምእታው ስራሕን ሞያዊ ስልጠናን፡ካልእን ምኽሪ ምሃብን ምድጋፍን።
     
  • መተኣታትዎታት ናይ ካብ SGB II ን SGB III ን ደገፍ ንምርካብ ዘኽእሉ መጋበርያታት ንምጽራይ ምስ ዝምልከቶም ጆብ ሰንተራትን ወኪላት ስራሕን ( Jobcentern und Agenturen für Arbeit) ሓቢርካ ምስራሕ።
     
  • ንወሃብቲ ስራሕ ብዛዕባ መስርሕ ምርካብ ፍቃድ ስራሕን መተኣትዎ ዕዳጋ ስራሕን ምኽሪ ምሃብ።
     
  • ንተሳተፍቲ ናብ ምስ ሞያ ዝተተሓሓዘ ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ከም ዝኣትዉ ምግባር።
     
  • ብመሰረት SGB II ን SGB III ን ኣስተምህሮታት ንሓተትቲ ዑቕባን፡ ደለይቲ ዑቕባን፡ ናይ ምጽማም መቐመጢ ዝሓዙን፡ (Geduldete) ስደተኛታትን ካብ ጆብ ሰንተራትን ወኪላት ስራሕን ኣብ ሄሰን (Jobcentern und Agenturen für Arbeit in Hessen) ብዛዕባ መተኣትዎታት ዕዳጋ ስራሕን ተኽእሎታት ደገፍ ምርካብን
     

 

ተኻፈልቲ ዕዮ ፕሮጀክትና በዓል መን እዮም?

ብጎኒ ጎኒ ኣብ ዞባና ምስ ብዙሓት ተሓባበርቲ ኣካላትን ትካላትን፡ ውፉያት ሓገዝትን ሓቢርና ንሰርሕ።.

Mehr Informationen zu unseren Förderern finden Sie hier: